Example of Category Blog layout (FAQs/General category)
| ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣቦ - መንበር ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ኣዘራሪቡ |
|
|
|
| Written by maye |
| Wednesday, 22 October 2008 10:55 |
|
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ 20 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ንኣቦ - መንበር ሰልፊ ሱዳን ኣሰይድ መሓመድ ኢብራሂም ንጉድ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፣ እቲ ርክብ። መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ዘለዋ ሽርክነት ንምድልዳል ዝካየድ ርክባት ኮይኑ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ኩነታት ሱዳን ክፍታሓሉ ብዛዕባ ዝኽእል መንገዲ ርእይቶኣ ንምቕራብ’ውን ዝዓለመ’ዩ፣ ኣብቲ ርክብ። ክልቲኦም ወገናት። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ሱዳን ኣመልኪቶም ብሰፊሑ ተመያዪጦም፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ሽግር ሱዳን ብተናጸል ዘይኮነ ብኣጠቓላሊ ስምምዕሰላምጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል ብምግላጽ። “ብተናጸል ዝካየድ ስምምዓት። ኣብ ረብሓታት ዝውሰን’ዩ” ክብል ኣረዲኡ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ። ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላም ንኽረጋገጽ። ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታትን ተቓወምትን ሱዳን ሓባራዊ ኣረኣእያ ከማዕብሉሉ ዝኽእሉ ባይታ ተፈጢሩ። ብሓባር ክዛተዩሉ ዝኽእል መድረኽ ምስ ዝጣጣሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፣ ግዳማዊ ምትእትታው ንጉዳይ ሱዳን መሊሱ ዝሓላልኽ ምዃኑ ዘመልከተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። እቲ ጉዳይ ብሱዳናዊ - ሱዳናዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብምሕባር። ኤርትራ ከም ጎረቤት ሃገር መጠን ጉዳይ ሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ምቕሉል ተራኣ ክትጻወት ከምዝጸንሐትን ትጻወት ከምዘላን ኣስሚሩሉ፣ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ እውን ኤርትራ ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ክፍታሕ ከምእትደልን ከምእትድግፍን ገሊጹ፣ ኣቶ የማነ ኣብ ‘ዋዕላ ተበግሶ ህዝቢ ሱዳን ንሰላማዊ ፍታሕ ጉዳይ ዳርፎር’ ድሕሪ ምስታፍ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ቃለ - መሕትት። ጉዳይ ዳርፎር ብሰላም ንኽዓርፍ። ሱዳናዊ - ሱዳናዊ ፍታሕ እቲ ዝበለጸኣማራጺ ከምዝኾነ። ኤርትራ ድማ ንዕኡ ከምእትመርጽ ብምሕባር። ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ንጉዳያቱ ክፈልጠሉን ክርድኣሉን ዝኽእል ወገን ከምዘየለ ኣስሚሩሉ፣ “ብምርድዳእ ህዝቢ ሱዳን ዝመጽእ ፍታሕ። ንጉዳይ ዳርፎርን ካልኦት ጉዳያት ሱዳንን እቲ ዝበለጸ። ነባርን ዝያዳ ርትዓውን’ዩ” ዝበለ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ። ኤርትራ ንጉዳይ ዳርፎር ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ንዝካየዱ ጻዕርታት ከምእትድግፍ ኣረዲኡ፣
|
| Last Updated ( Wednesday, 22 October 2008 11:09 ) |
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣቦ - መንበር ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ኣዘራሪቡ


