| ካብ ኣፍ-ደገ ከረን ናብ ሩባ ዓንሰባ ፡ ሳልሳይ ክፋል |
|
| Written by maye |
| Wednesday, 22 October 2008 11:17 |
|
‘’እሞ... ሰብ ብድኻም ተዋሊኣ እንዲያ...’’ ብሕሽዅታ ዝተዘርበ ዘረባ ኢዩ፣ ‘’ፈሊጠ ‘ለኹ። ግዳ ንዕረፍቲ ዝኸውን ግዜ የብልናን፣ ሓንቲ ክንገብራ ንኽእል ነገር እንተሃልያ ኣብ ሩባ ኣይትጥሓል ተደሪሮም ከምዝቕጽሉ ምግባር ጥራሕ’ያ’’ ናይ ፍሊጶስ ምላሽ’ዩ፣ ብድሕር’ዚ ግና ድሃይ ፍሊጶስ መመሊሱ ስለዝተሓተ እንታይ ከምዝተበሃሃሉ ክሰምዕ ኣይከኣልኩን፣ ብዝኾነ። ብድሕሪ’ቲ ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም ብኣመና ትሑት ድሃይ ዝተዋህበ ሓበሬታስ ንዓና’ውን ከም ሰብና ከነንቈልቍል ተነግረና፣ ብድሕሬና ዝተረፈ ሰብ ኣይነበረን፣ ንሕና ንጸላኢ ዝቐረብና ናይ መወዳእታ ሰባት ምዃንና እናገመትና ግን ናይ እግሪ ደርገፍታ ሰሚዕና ኣእዛንና ጸለና፣ ብዘይካ’ተን ዝዓጠቕናየን ቦምባታት ቻይና ብረት ስለዘይነበረና ኸኣ ስግኣት ክስማዕና ጀመረ፣ ‘’እንታይ ዝኾኑ ድኣሎም!?’’ ንነብሰይ ሓተትኩዎ፣ መኮነን ‘ውን ተቐላጢፉ ናባይ ብምምጻእ ‘’እንታይ ዝኾኑ ድኣሎም!ክንሓቶም’ዶ?’’ ብምባል ተወከሰኒ፣ ‘’ሕራይ ሕተቶም’’ ምስ በልኩዎ ብኡ ንብኡ ‘’መን ኢኻ?’’ ጭደራ ሓዊሱ ሓተቶም፣ ‘’ንሕና ኢና’’ ስልቹው ኣመላልሳ’ዩ፣ እቲ ምስልቻው ግን ኣብ ኩላትና ዝነበረ’ዩ፣ ከረን ክንሕዝ እናሓሰብና ናብ ድሕሪት ምምላስና ዘይተሰምዖ ሰብ ኣይነበረናን፣ ካብኡ ንናብኡ ግን ንሕና ንሓይሽ፣ ብውሑዱ ምኽንያት መንሳሓቢና ንፈልጥ ኔርና፣ እቲ ካልእ ተጋዳላይ ግን የንሳሕብ ከምዘሎ ድኣ’ምበር ስለምንታይ ከምዘንስሓበ ይፈልጥ ኣይነበረን፣ እቶም ክልተ ሰባት ተደጋጊፎም እዮም ዝጓዓዙ ነይሮም፣ እቲ ኢዱ ዝተወቕዐ ነቲ እግሩ ተውቒዑ ጠልፈፍ ዝብል ዝነበረ ብጻዩ ደጊፉ ኣባና በጺሑ፣ ‘’ብጾትና ኣበይ በጺሖም ኣለዉ?’’ እቲ እግሩ ዝተወግአ ተጋዳላይ’ዩ ሓቲቱና፣ ‘’ንቑልቁል ገጾም ወሪዶም ኣለዉ፣ ዳሕረዎት ስለዝኾንኩም ቁሩብ ተቐላጠፉ’’ ሓበርናዮም፣ ግዜ እንተድኣ በሊዖም ጸላኢ ከየርክቦም ኢና ሰጊእና፣ ‘’ንዝተረፈ እናገፋገፉ ዝመጹ ብጾት ብድሕሪት ኣለዉ’’ ኢሎምና ተደጋጊፎም መገዶም ቀጸሉ፣ ኣብ ሩባ ኣይትጥሓል በጺሕና ምስ ሓይልታትና ተጸንቢርና ድሕሪ ዝለኸፍናዮ ድራር ጉዕዞና ቀጸልና፣ መስርዕና ብድኻም ተዋሊኣ’ያ፣ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ግን ኩሎም ኣባላታ ብመካይን ንኽጓዓዙ ካባና ተፈልዮም ኢዮም፣ ኣነን መኮነንን ግን ሬድዮናን ካልእ መሳርሒታትናን ሒዝና ንሓድሽ ጉዕዞ እግሪ ደድሕሪ ፍሊጶስ ክንስጕም ጀመርና፣ ‘’ደኺምኩም ዲኹም?’’ ድሕር ስለዝበልና’ዩ ሓቲቱና፣ ‘’ኣይደኸምናን’’ ብሓደ መለስናሉ፣ ‘’ሕጂ’ኳ ወርሒ ክትሕግዘና’ያ’’ በለ ፍሊጶስ ናብታ ተቐልቂላ ዝነበረት ወርሒ እናኣንቃዕረረ፣ ኣእጋርና ፈጺመን ኣየዕረፋን፣ ነቲ ዝቐነየና ጥሜትን ድኻምን እዚ ናይ ሎሚ ከቢድ ጉዕዞ ስለዝተወሰኾ ሓይልና ጸንቂቕና ኔርና፣ ግን ከኣ ሓይልና ድኣ’ዩ ዝደኸመ እምበር ሓቦናስ ኣብ ቦትኡ ነይሩ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ዛጊትሲ ‘’ኣብቂዐ’’ ኢሉ ንተስፋ ምቝራጽ ኢዱ ዝሃበ ሰብ ኣይነበረናን፣ ‘’ደኺምካ ዲኻ?’’ ንመኮነን ዝሓተትኩዎ ሕቶ’ያ፣ ናተይ ሓቢአ ድማ’የ ሓቲተዮ፣ ‘’ድኻምሲ ኣይተሰማዓንን፣’’ ‘’እንታይ ድኣ’’ ካብ መልሱ ነቒለ’የ ሓቲተዮ፣ ኣእጋርና ግን ደው ኣይበላን፣ ፍሊጶስ ዝረገጾ ሩባን ኩርባን ይረግጻ ነይረን፣ ’ናበይ ንኸይድ ምህላውና ይርዳኣኒ የሎን’’ በለኒ መኮነን፣ ፍሊጶስ ከይሰምዖ ድምጹ ኣትሒቱ’ዩ ተዛሪቡኒ፣ ‘’ናብ ዕርድታት ሩባ ዓንሰባ ናብቲ ናይ ቀደም ድፋዕና ክንምለስ እኮ’ያ ትሕብር ‘ታመልእኽቲ’’ ኣነ’ውን ብሕሹዅታ’የ መሊሰሉ፣ ‘’መን ሒዝዎ’ሎ ማለት’ዩ?’’ ሕቶኡ ቀጸለ፣ ‘’እዞም እንዳ እንተ ዝበሃሉ፣ ብርጌድ 87’’ በልኩዎ፣ ሓይሊ እንተ ትብሃል ካብ ክፍልታት ውድብ ብዝተዋጽኡ ተጋደልቲ ዝቘመት ብርጌድ’ያ፣ ብብርሃነ ጸሃየ (ወዲ ጸሃየ) ድማ ትምራሕ ነይራ፣ ኣብታ እዋን እቲኣ ንሳ’ታ ብርጌድ ነቲ ብግዝያውነት ዝዓረደትሉ ዕርድታታ ንዓና ኣረኪባ ናብ ካልእ ቦታ ክትከይድ ብላዕለዎት ኣካላት ተሓቢሩዋ ነይሩ፣ ኣሃዱታትና መሬት ውግሕ ክትብል እንከላ ንዕርድታት ሓይሊ እንተ ተረከብኦ፣ እቲ ብወገን ኣፍዓበት ገይሩ ብእንዳ ታንኪ ሰንጢቑ ብሃበሮ ክጥወየና ዝተሓበረ ብመካይን ዝጓዓዝ ክፍልታትን ኣሃዱ ከቢድ ብረትን ግና ፈጺሙ ተሸርበና፣ ብዘይ ቁጠባ መግቢ የለን፣ ብዘይ ዕቃበ ብረት ጥይት የለን፣ ብዘይ ከቢድ ብረት ደገፍ የለን፣ ብዘይ ሃንደሳ ንምክልኻል ዝኸውን ነተጕቲ የለን፣ ናይዚ ኹሉ ዘይምህላው ከኣ ስኽፍታ ዝፈጥር ነበረ፣ ስለዝኾነ መስመር ሬድዮና እናኸፈትና ደጋጊምና ድሃዮም ክንፈልጥ ንፍትን ነበርና፣ እንተኾነ ግን ወይከ ድሃይ፣ ዲሒርና ግን እቲ ብኣፍዓበት ገይሮም ብሃበሮ ቈሪጾም ናባና ክሕወስሉ ዝተሓስበ መገዲ ብውሑጅ ከምዝተገላበጠ። ስለዚ ኸኣ ንድሕሪት ብምምላስ ጉዕዝኦም ብናቕፋ ገይሮም ብበዓል ኣዶብሓ። ሓስታን ዛራን ተጠውዮም ናብ ሩባ ዓንሰባ ክጐዓዙ ከምዝተቐሰቡ ፈሊጥና፣ ብሰንኪ’ዚ። እቲ ብውሑዳት ሰዓታት ክበጽሑዎ ዝነበሮም ቦታ ንኽልተ መዓልቲ ዘጕዕዝ ጉዕዞ ወሊዱ፣ ፍሊጶስ። ዑደት ብወገን ጸጋም ጀሚሩ ንኣሃዱኡ እስትራተጂካዊ ቦታ እናኣትሓዘ ክጐዓዝ ዊዒሉ፣ ኣሃዱታትና ብጥሜት ተላሒሰን’የን፣ ንዓና’ውን ድኻምን ጥምየትን ኣይንብላዕ ኣይንስተ ይገብራና ነይረን፣ ኣእጋርና ተላዓላ ኢልናየን ምዕይ ኣብ ዘይብላሉ ደረጃ እየን በጺሐን፣ ድሕሪ ግዜ ግን ኣካላትና ወለል ስለዝበለና ኣብ ዘለናዮ ሮፋዕ በልና፣ ፍሊጶስ’ውን ደኺሙ’ዩ ነይሩ፣ የግዳስ ሓላፍነት ናይቲ ሰራዊት ኣብ ዝባኑ ስለዝነበረ ንዓና እናኣበራትዐ ንድኻሙ ረሲዑ ክጓዓዝ ይጽዕር፣ ጸጸኒሑ ኸኣ ‘’ኣጆኹም። ቀሪብና ኢና’’ እናበለ የተባብዓና፣ ካባና ፍንትት ኢላ ኣብ ዝነበረት በራኽ ቦታ ወጺኡ ብሬድዮ ርክብ ገይሩ ክራኸብ እንከሎ እርእዮ ነይረ፣ ገለ ካብ ጻውዒቱ እሰምዖ ብምንባረይ ‘ውን እቲ ርክብ ምስ ወዲ ኤፍሬም ምዃኑ ፈሊጠ ነይረ፣ እንተኾነ ግን። ንምብህሃሎም ንምስማዕ ኢለ እዝነይ ክጸሉስ ፈጺሙ ኣይተራእየንን፣‘’ኦ...! ግርም ግርም። እሞ ተኻርጁ ማለት’ዩ’’ በለ ፍሊጶስ ብዓውታ፣ ኣመላልስኡ ሕጉስን ትስፉውን ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ ካብቲ ዝተጎምበኹሉ ጸግዒ ዓቢ ደንጎላ ብቕጽበት ብድድ በልኩ፣ ‘’ከመይ ጌሩ ደኣ ኣብኡ በጺሑ?’’ ፍሊጶስ’ዩ ንወዲ ኤፍሬም ዝሓቶ ነይሩ፣ ሽዑ። ድሃይ ናይቲ ከምእነንሳሕብ ዝገበረና ሰራዊት ጸላኢ ንምፍላጥ ተረቢጸ ኣብ ሰብነተይ ንዝተረፈ ጸዓት ተጠቒመ ናብቲ ፍሊጶስ ዝነበሮ በሪኽ ገጸይ መረሽኩ፣ ሽዑኡስ እቲ ዳይ ግዲ ዓዚዙኒ ወየን ክሓስያኒ ዝጸንሓ ድኻመ-ጥሜት ናበይ ከምዘበላ እንድዕለን፣ ‘’ንህዝቢ ሽዕብ ጨፍጪፉዎ’ዩ። እዚ ዘይበሃል ኣረሜናዊ ተግባር ከኣ’ዩ ፈጺሙ ዘሎ፣ መደቡ ብሰላሕታ ከይተራእየ ብድሕሪት ድሕሪ ምእታው። እዝን ቍጽጽርን ክበትኽ’ዩ ወጢኑ ነይሩ፣ ‘’ህ...” በለ ፍሊጶስ፣ ‘’እተን ዝተዋጽኣ ኣሃዱታት ኣብ ዘይገመቶ ቦታ ኣድብየን ብምጽናሕ ከኣ ብዘይ መላስ ወረ ሃሚዀንኦ፣ ‘’ዓቕሙኸ ከመይ’ዩ?” ፍሊጶስ ሕቶኡ ቀጸለ፣ ኣነ ድማ ኣእዛነይ ኩር ኣቢለ። ጣሕሸምታ ኣእጋረይ ንምስማዕ ከየጸግመኒ ብጥንቃቐ እናረገጽኩ ስጕመይ ቀጸልኩ፣ ብሓደ ጀነራል ዝምራሕ ናይ ኣየር- ወለድ ኣሃዱ ምዃኑ፣ እንተዀነ። እቲ ሰራዊት ብእግሩ ነዊሕ መገዲ ስለዝተጓዕዘ። ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ክበጽሕ እንከሎ ብጽምእን ድኻምን ተዋሊኡ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ሓጎስብሓጎስ ገበረኒ፣ ‘’በቃ ደሓን። በዚ’ውን በቦታና ሒዝና’ለና፣ ተሪፉ ዘሎ ኣተሓሕዛና ምምዕርራይ ጥራሕ’ዩ’’ በለ ፍሊጶስ፣ ኣነ’ኳ ዕላሎም ኪቕጽሉ ጥራሕ እየዝደሊ ነይረ፣ ምኽንያቱ። ብስራት ወዲ ኤፍሬም ንድኻመይን ጥምየተይን ኣብሪሩ ንሰብነተይ ድማ ሞራል ሰኲዑትኽ ከምእትብል’ዩ ገይሩዋ ነይሩ፣ ‘’በሉ ንበገስ!’’ በለ ፍሊጶስ፣ ኣብታ ዝደየባ ኩጀት ኮይኑ’ዩ ኣዚዙና፣ ብሳላ’ታ ትንፋስ እትዘርእ ብስራትን። ብሳላ ደው ዝበለልናን ኣብ ጥቕኡ’የ በጺሐ፣ መኮነን ግን ብኽንደይ ጋዶ ድሕሪ ምትንሳእ’ዩ እናኣቝረምረመ ጉዕዞኡ ቀጺሉ፣ ቁሩብ ጸኒሑ ከኣ ኣርኪቡና፣ ነቲ ናይ ወዲ ኤፍሬምን ፍሊጶስን ምብህሃል ስለዘይሰምዖ ኣብ ሞራሉ ኮነ ድኻሙ ዝኾነ ለውጢ ኣየምጽአን፣ እምበር ብጉልበት ኮነ ሞራልሲ ካባይ ዝሰንፍ ኣይነበረን፣ ንዓይ ግን እቲ ዝሰማዕኩዎ ምብህሃል ሓጊዙኒ፣ ኩሉ እንትናይ ከምዝሕደስ ገይሩኒ፣ ‘’ንኺድ ሕራይ’’ በልኩ ንጥፍ ኢለ፣ ንመኮነን ከኣ ‘’ኣጆኺ ነብሲ’’ በልኩዎ፣ መኰነን። ኩነታተይ ገሪሙዎ ናባይ ገጹ ግልጽ ብምባል ጠመተኒ፣ ሞራለይ ካብቲ ኣቐዲሙ ክርእዮ ዝጸንሐ ንእለት ተለዊጡ ነጠፍጠፍ ምባለይ ግዲ ኣስደሚሙዎ ደጋጊሙ ጠመተኒ’ሞ ‘’እንታይ ዲኻ ረኺብካ!? ሃዊኽካና’ኮ’’ ብምባል። ዋዒየይ ዘጽልኦ ክመስል ተጸዊጉ ጠመተኒ፣ ‘’ዓወት!’’ በልኩዎ፣ ‘’ናይ ምንታይ ዓወት?!’’ ተቐላጢፉ ጠበቐኒ፣ ዝሰምዐ ዘይብሉ ከኣ ገጹ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብኡ ንብኡ ኵልዕ በለት፣ ‘’ብጾትና ሓመደን ኣስሒኖመን፣’’ ‘’ኣበይ?’’ ናብዛ ኣፈይ ክውተፈኒ ቁሩብ’ዩ ተሪፉዎ፣ ‘’ነተን ብጎልጎል ዝሰሎኻ’’ ሕጅስ ዋላ ንዓይ’ውን ንዓወታት ከመይ ጌርካ ከምዝዕለል’ዩ ጠፊኡኒ፣ ‘’ደምሲሶመን!?’’ ’ካላስ ዝሓደጉለን የብሎምን፣ ከምዘየለዋ ጌሮመን፣ ኣርዮመን። ኣርዮመን ...’’ ከምዛ ብዓይነይ ዝረኣኹ ኮይነ ምዕላለይ ቅንጣብ ሕፍረት ኣይተሰማዓንን፣ መኮነን የማነይቲ ኢዱ ንላዕሊ ገጹ ሰፍ ብምባል’’ዓሽ ያሆ! ብጾትና መሐጐስ!” በለ ብዓውታ፣ ገጹ ኸኣ እናራኣኹዋ ብሓንሳእ ደመቐት፣ድኻሙን ጥሜቱን ከምዛ በረኪና ዝኣተወታ ርስሓት ክዳን ምልጭ ኢሉ ጠፍአ፣ ይቕጽልጊደዎን ዮውሃንስ ሳልሳይ ክፋል
|
| Last Updated ( Wednesday, 22 October 2008 11:44 ) |